Botanix – መጺሄት ብዛዕባ ኣትክልቲ

Botanix ትግርኛ

ቸሪሞላ (Annona cherimola)

መሰጥቲ ዝኾኑ ናይ ትሮፒካዉያን ፍረታት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኣለዉ። ፍረ ቸሪሞላ ዓዲገ ክጥዕም ዕድል ረኺበ ኔረ፡ እዚ ፍረታት ኣብ ዝኾነ ዕዳጋ ኣይርከብን‘ዩ። እንተኮነ ንጽቡቅ መቀረቱ ይመስገን ኣብ ዕዳጋታት‘ዉን ኽርከብ‘ዩ!

ቸሪሞላ እቲ ቀንዲ መጸዉዒ ናይ ፍረ Annona cherimola፡ ኣብ ሽንጩሮታት ኣንደስ ካብ ኮሎምብያ ክሳዕ ፐሩ ኣብ 700 ክሳብ 2400 መትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ። ቱሑት ምቆት ስለ ዝጻወር ኣብ ካልእ ሙዉቅ ክፋል ናይ መሬት ዋላ ኣብ እስራኤልን ደቡብ ስጳኛን ይትከል‘ዩ። ኣብ ዉሽጢ‘ዚ ጅር ከባቢ 120 ዓይነት ኣለዉ።

ቸሪሞላ ብናውን ቀጠልያን ኮይኑ፡ ቅላጡ ሓርፋፍ ከም ኣሰር ኣጻብዕቲ ዝተገብረሉ ይመስል። ቀጠልያ ፍረታት ኣብ ናይ ገዛ ምቆት ክዕቀብ ይክእል‘ዩ። ውሽጢ ፍሪኡ ክሬማ ሕብርን ናይ ባናና ወይ ኣናናስ መቀረትን ኣለዎ። ኣብ ዉሽጡ ካብ 10 ክስዕ 20 ዝኮኑ ከክንዲ ባልዶንጋ ቀያሕቲ ፍረታት ኣለዎ፡ ብጥሪኡ ድማ ይብላዕ።

ዘርኡ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቀጠልያ ገዛ ይትከል። መስርሕ ኣበቃቁልኡ ይፈላለ‘ካ እንተኾነ ካብ ሰሙን ክሳዕ ሰለስተ ሰሙን ይወስድ። እቲ ቀንዲ ዝበቁለሉ ሙቆት ከብቢ 27 ዲግሪ ሰንቲ-ግሬድ እዩ። ዉልዶ ተክሊ ጽገሬዳዊ ሕብሪ ክህልው‘ኾሎ፡ ናብ ጸሊም ቀጠልያ ሕብሪ ጨጋር ቓቕሖ መሰል ቆጽሊ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሴንቲ-መትሮ ዝቁመቱ ኣብ ድሕሪኡ ኣለዎ።

ኣብ ሓጋይ ኣቁጽልቱ ክረግፉ ከሎ፡ ተተባላሽዩ ድማ ሕማቅ ሽታ ይገብር። ንዝረገፈ ቆጽሉ ብሓዲሽ ቆጽሊ ይትክኦ። ኩሎም ዓይነት ኣኖና ብዙሕ ብርሃን ፍሉይ ኣገባብ ነወመን (ክሳዕ ኩነታት ዝምችእ ምድቃስ) የድልዮም፣ እዚ ኣብ ሞንጎ ኣልማዕቲ ናይ ዛዕባ ጉዳይ‘ዩ! ብግለይ ንንዋመ (ክድቅስ) ኣብ 10–15 ድግሪ ሰንቲ-ግሬድ ኣቀሚጠዮ ኔረ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ነቲ ኣትክልቲ መታን ኪፈላልይዎ፡ መስርሕ ናይ ኣበቃቅልኡ ክከታተልዎ ኣለዎም። ንኣብነት፦ ኣብ ናይ ገዛ ምቆት መን ቀዳምይ ከም ዝዕንብብ።

ኣኖና ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ገዜ ኣብ ዓመት ይዕንብብ። ቅድሚ ዕንባባ ምዉጽኡ ዳርጋ ኩሎም ኣቁጽልቱ የርግፎም። ዕንባብኡ ናብ ብናዊ ዝከደ ብጫ ሕብሪ ክህልዎ ከሎ፡ ቆጽሉ ክረግፍ ከሎ ወይ ሓድሽ ቆጽሊ ከቡቁል ከሎ ይዕንብብ። ንክዋሰብ ክልተ ኣትክልቲ የድልይዎ፡ ፍረ ንከዉጽ ድማ ካብ 5–7 ወርሒ የድልዮ።

ላዕሊ ናይቲ ተክሊ ብምርኣይ ጥራይ ኣይትረበሽ፡ ልዕሊኡ ኩሉ ገዜ ንቁጽ‘ዩ ዝመስል። ሕጽር ዝበለ ኑቁጽ ግዜ ሕማቅ‘ካ ተዘይ ኮነ ዋላ ኣብ ግዜ ሓጋይ ከይተረፈ ማይ የድልዮ እዩ። ዕድል እንተ ጌርካ ሓደ ካብዞም ጅራት ትዕድግ ትከዉን።

Annona squamosa – ቅራፍ ዘዉጽእ ኣኖና ኮይኑ፡ ልክዕ ከም ኣናናስ ቅራፍ ዘዉጽእ ፍረ ኣለዎ። ሽኮራዊ ቱፋሕ ክበሃል ከሎ ቀጠልያ መሰል ብጫ ሕብሪ ኣለዎ።

Annona muricata – እዚ ኣኖና እቲ ቀንዲ ትሮፒካዊ ፍረ ክከዉን ከሎ ኣብ ቅላጥ ናይቲ ተክሊ ይበቁል። ካብ መጠን ንላዕሊ ገጂፍ (1.5–5 ኪ.ግ)፡ ኮን መሰል ዉቁብ 0.5 ሴ.ሜ ዝቁመቱ ቀጠልያ እዩ። ኮሮሶል ዝብሃል ቆጽሊ-ሻሂ ካብ ናይዚ ተክሊ ቆጽሊ ይዳሎ።

««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ዘርኢ ማንጉስ ምቡቃል ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ኣርባዕተ ዝቆጽሉ ክሎበር (Marsilea quadrifolia) »»»

ሰሉስ 26.12.2023 18:27 | ሕተም | ባዕዳዉያን ኣትክልቲ

ብዛዕባ KPR

Logo of KPR - ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ስሎቫኪያ
KPR- ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ዓለም-ለካዊ ዉድብ መዕበይቲ ኣትክልቲ እዩ። ንዝያዳ ንባብ…
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።

ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)