Botanix – መጺሄት ብዛዕባ ኣትክልቲ

Botanix ትግርኛ

ብሬድፍሩት Artocarpus odoratissimus, ማራንግ

ዘርኢ ብሬድፍሩት (Artocarpus ) ክሳዕ 60 ጅር ኩሉ ግዜ ቀጠልያ ዝኮኑ ትሮፒካዊያን ኣግራብ ካብ ጃንዳ ሞራሰ (ጃንዳ ማልበሪ ወይ ጃንዳ በለስ ጥልያን) የጠቃልል። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ኣብ ደሴታት ሰላማዊ ዉቅያኖስን ይርከብ። ብሬድፍሩት ልክዕ ንፊኩስ (በለስ ጥልያን) ይመስል። Artocarpus ኣልቲሊስ እቲ ቀንዲ ዚፈሪ ብሬድፍሩት እዩ። * Artocarpus ኮሚነስ: Artocarpus ኢንተጀር (ሰምፐዳክ): Artocarpus ሀተሮፋይሉስ* (ጃክፍሩት፣ ናንግካ) ከምኡ እዉን Artocarpus odoratissimus (ማራንግ) ዝተፈላለዩ ወገን ናይ ጃንዳ ብሬድፍሩት እዩ።

ስእሊ

ፍረ ማራንግ Artocarpus odoratissimus, ቦርናያ,

ኢንዶንጃ

ኣብዚ ዓንቀጽ ማራንግ (Artocarpus odoratissimus) ክንርኢ ኢና። ዓመት ምሉእ ቀጠልያ ዝኮነ ናይ ደሴት ቦርናያ ኢንዶንጃ ኮይኑ፥ ን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዕዳጋታት ማልጃ: ታይላንድ: ከምኡ እዉን ፊሊፒንስ ብሰፋሕ ይቦቁል። ቢናይ ከባቢኡ ቃንቃ ኣታዩ፣ ከራን፣ ሎልያ፣ ማዳንግ፣ ማራንግ፣ ፒ-ዮን፣ ፒንጋ፣ ታራፕ፣ ተራፕ ከምኡ እዉን ካኑን ሳምፓሎር ይበሃል። እዚ ጅር ካብዚ ዝተጠቅሰ ከባቢ ወጻኢ ኣይርከብን እዩ። ኣብ በረካታት ኣብ ሑጻ ዝበዝሖ ቦታ ኣብ ጫካታት ኣብ 1000 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ።

ስእሊ

ፍረ ማራንግ Artocarpus odoratissimus, ቦርናያ, ኢንዶንጃ

ገረብ Artocarpus odoratissimus ክሳዕ ከባቢ 25 መትሮ ቁመት ከምኡ እዉን ቆጽሉ ከባቢ 16 ክሳብ 50 ሴንቲ ሜተር ቁመትን ካብ 11 ክሳዕ 28 ሰንቲ መተር ጎንን ኣለዎ ።

ሞኖኮስ ስለ ዝኮን ፍረ ከፍሪ ሓደ ገረብ እኩል እዩ። ፊረ ናይዚ ገርብ ቀጠልያ፣ እንቃቁሖ መሰል ቅርጺ፣ 16 ሰንቲ መተር ቁመት፣ 13 ሰንቲ መተር፣ ጎን ከምኡ እዉን 1ኪሎ ግራም ክብደት ክህልዎ ከሎ ከይ ተከሸነ ወይ ከሺንካ ይብላዕ። ዘርኡ ግና ቀጻሊ ቅድሚ ምብልዑ ክኽሸን ኣለዎ።

ንደቡብ ምብራቅ ኤስያ ብሬድፍሩት ኣገዳሲ ምስ ሂወቶም ዝተኣሳሰር ዓይነት መግቢ እዩ። ዊሽጢ ፍሪኡ ጻዕዳ ከም በረድ ክኸዉን ከሎ ባዕሉ እቲ ፍረ ብጣዕሚ፣ ሙቁር፣ ፍረኣዊ ፣ ጡዑም መኣዛ ከምኡ ኡዉን ንናይ ዱራን ዚመሳሰል ጨና (ዱራ ኣብ መሬት ዚበለጸ መኣዛ ዘለዎ ፍረ) ኣለዎ።

ስእሊ

ፍረ ማራንግ Artocarpus odoratissimus, ቦርናያ, ኢንዶንጃ

ዝበለጸ ኣገባብ ምዝርጋሕ ማራንግ Artocarpus odoratissimus ብዘርኦም እዩ። ሓዲሽ ቀልጢፉ ኣብ ዉሽጢ ሰሙን ብምቡቃል ፈልሲ የዉጽእ። ከባቢ ሰለስተ ሰሙን እንተ ተከዚኑ ግና ናይ ምብቃል ተክእልኡ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ዘርኢ ምስ ተዓጽደ ኣብ ብጹቡቅ ዝተደላደለ ሑጻ ዘለዎ ሓመድ ቀልጢፉ ኪዝራእ ኣለዎ። ብምድቃል ምዚርጋሕ ቡዙሕ ዑዉት ኣይኮነን ከምኡ እዉን ብባልዕን ሕማምን ሐሓሊፉ ይጥቃዕ እዩ።

ቢሬድፉሩት ቀዝሒ ኣይጻወርን እዩ። መበቆሉ ኣብ ትሮፒካዊ ቦታ ስለ ዝኮነ ሙቆቱ ቲሕቲ 7ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ክወርድ የብሉን። ዋልእካ ኣብ ትሮፒካዊ ወይ ሓዉሲ ቲሮፒካዊ ብሬድፉሩት ኣብ ጀራጅን ዚቦቁል እንተኮን ቀዝሒ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ግና ኣብ ገዛ ወይ ቀጠልያ ገዛ ኪቅመጥ ኣለው።


ስእሊ

ፍረ ማራንግ ብዝርዝር Artocarpus odoratissimus, ቦርናያ, ኢንዶንጃ

««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ኣርባዕተ ዝቆጽሉ ክሎበር (Marsilea quadrifolia) ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ከመይ ጌርካ ንፍሳ(ሕንዚዝ) ባልዶንጓ ተጥፍኦ »»»

ሰሉስ 26.12.2023 18:34 | ሕተም | ባዕዳዉያን ኣትክልቲ

ብዛዕባ KPR

Logo of KPR - ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ስሎቫኪያ
KPR- ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ዓለም-ለካዊ ዉድብ መዕበይቲ ኣትክልቲ እዩ። ንዝያዳ ንባብ…
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።

ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)