Botanix – መጺሄት ብዛዕባ ኣትክልቲ

Botanix ትግርኛ

ከመይ ጌርካ ንፍሳ(ሕንዚዝ) ባልዶንጓ ተጥፍኦ

ከም ዝመስለኒ ፍሳ ባልዶንጓ ክመጸኩም የብሉን። እዚ ንእሽቶ ሕንዚዝ ካብ 3–4 ሚሊሜትሮ ዝቁመቱ ኣብ ኣዝርእቲ፡ ንኣብነት ኣብ ክሽነ ይርከብ።

እዚ ንእሽቶ ተኃዳኢ ሕንዚዝ፡ ኣብ ዘርኢ ናይ ኩሎም ዓይነት ሎቖታ ይርከብ። ወረግ ኩሎም ዓይነት ሎቆታ እዞም ፍጥረት ኣለዎም፦ ሰፊሕ ባልዶንጓ-ሰፊሕ ባልዶንጓ ፍሳ(ሕንዚዝ)፡ ባልዶንጓ-ባልዶንጓ ፍሳ(ሕንዚዝ)፡ ብርስን(ዓደስ)-ብርስን(ዓደስ) ፍሳ(ሕንዚዝ)፡ ጀርዲን ሰፊሕ ባልዶንጓ-ጀራዲን ሰፊሕ ባልዶንጓ ፍሳ(ሕንዚዝ) ከምኡ እውን ካልኦት።

ኣብቲ ዝተጎድአ ኣዝርእቲ ንእሽቶ ነኻል ስንብራት፡ በቲ ላርቫ ዝተፋሕቐ ትረክብ። ዚዓበየ ሕንዚዝ እንተ ነቁሑ ዝተፋሕቐ ነኻል ኣብቲ ዘርኢ የርኢ እካ እንተኮነ፡ ሕንዚዝ ዝበዝሕ ዕንወቱ ኣብ መካዚኖ ወይ ቆፎ(ዝሰማምዖ ሃዋሁ ስለ ዝኮነ) ከሎ’ዮ ዝገብሮ፡ ዋላ ይኩን ግን እቲ ተክሊ ኣብ ሕርሻታት ከሎ’ዩ ዝብከል።

ነዚ ሕንዚዝ ምቅላስ ግን ቀሊልን ዘተኣማምንን(100% ዕዉት!) እዩ።

ስእሊ

ሕንዚዝ ኣብ ኣዝርእቲ Erythrina lysistemon

ሽዑ ንሽዑ በሲሉ ነቲ ዘርኢ ምስ ኣከብካዮ ብምቕራፍ ኣንቅጾ። ዝኮነ ዝተበከለ ዘርኢ ከይሕወሰካ ኣረጋግጽ፡ ዝኮነ ዝተበከለ ዘርኢ እንተሎ ኣልግሶ(እቲ ዝበለጸ መንገዲ ከተቃጽሎም እዩ)፡ ድሕርዚ ነቲ ዘርኢ ኣብ ናይ ፕላስቲክ ወይ ጨርቂ ከረጺት ኣእትዎ፡ ሽዑ ኣብ ቡርቱዕ መዝሓሊ(ፍርጅ) ን48 ስዓት ኣቀምጦ። ብከምዚ መንገዲ መድረካት ሂወት ናይቲ ሕንዚዝ ኪትበትኮ ኢካ።

ነቲ ዘርኢ ካብ መዝሓሊ ምስ ኣዉጸእካዮ ንካብ 2–3 መዓልቲ ኣብ ደገ ኣንቅጾ። ነቲ ዘርኢ ኣብቲ ፕላስቲክ ክሳዕ ትጥቀመሉ ከተቀምጦ ትክእል፡ ብከምዚ መንገዲ ዝተዓቀቡ ኣዝርእቲ፡ ካብ ዕዳጋ ብዝመጸ ዘርኢ ጥራይ እዮም ዝብከሉ።

ስለዚ ንዘርኢ ኣብ ጥርሙዝ ጽቡቅ ጌርካ ብምክዳን ክትዕቅቦ ጽቡቅ እዩ። እቲ ዘርኢ ምሉእ ብምሉእ ክነቅጽ ኣለዎ፡ ተዘይ ኮይኑ ክባላሾ እዩ። ብከምዚ መንገዲ ዘርእካ ብሕንዚዝ ከምዘይ ብከል ትተኣማመን።

ብካልእ መንገዲ፡ ቁኑዕ ዘርኢ ብምምራጽ፡ ንናይ ዓተር ፍሳ ክትቃለሶ ትክእል ኢካ። ብዙሓት ዝጥቀሱ ዓይነት ጅር፡ ፍሳ ባልዶንጓ ዘይመርጾም ኣለዉ።

««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ብሬድፍሩት Artocarpus odoratissimus, ማራንግ ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ዕንባባ ሽጉርቶ ( ሽጉርቲ መሰል ሱር ዘለዎም ኣትክልቲ) ምትካልን ምፍላስን »»»

ሰሉስ 26.12.2023 18:38 | ሕተም | ባልዓት

ብዛዕባ KPR

Logo of KPR - ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ስሎቫኪያ
KPR- ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ዓለም-ለካዊ ዉድብ መዕበይቲ ኣትክልቲ እዩ። ንዝያዳ ንባብ…
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።

ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)