Botanix – መጺሄት ብዛዕባ ኣትክልቲ

Botanix ትግርኛ

ዕንባባ ሽጉርቶ ( ሽጉርቲ መሰል ሱር ዘለዎም ኣትክልቲ) ምትካልን ምፍላስን

ነቲ ብኣገልግሎት ፖስታ ተዓሽጉ ዝመጸካ ዕንባባ ሽጉርቶን ፈልስን ከፊትካ፡ ካብ 2–3 መዓልቲ ኣብ ጽላል ግበሮ፡ ወይ ሽዑንሽዑ ብምትካል ካብ ናይ ጸሓይ ጩራ ተከላከለሉ።

ፈልሲ ንምትካል

ነቲ ፈልሲ ትተክለሉ ንእሽተይ ጉድጓድ ኣዳሉ። ነቲ ፈልሲ ካብቲ መትሓዚኡ ዕትሮ (ንፕላስቲክ መትሓዚኦ፡ ካብ ፕላስቲክ) ኣዉጽኣዮ። ቅድሚ ነቲ ተክሊ ናብ ጉድጓድ ምእታውካ፡ ነቲ ሱር ንታሕቲ ብምግባር ብመስርዕ ዘርግሓዮ።

ነቲ ጉድጓድ ማይ ግበረሉ፡ ነቲ ማይ ምስ ወድኦ እንደገና ማይ ወስከሉ። ንኩሎም እቶም ካልኦት ኣትክልቲ እዉን ከምኡ ብምግባር ደጋጊምካ ኣስትዮም።

ካብቲ ዝተተክለሉ ስዒበን ዘለዋ 2 ጽምዲ መዓልቲ፡ ከከም ዝጸምኦ መዓልታት ብምስታይ ካብ ቡርቱዕ ናይ ጸሓይ ብርሃን ተከላከለሉ። ኣብ ሓደ ወይ ሰለስተ ሰሙን ሱር ከዉጽእ እዩ። ብድሕሪኡ ከምቲ ንኩሉ ተክሊ እትገብረሉ ምክንካን ተከናከኖ።

ዕንባባ ሽጉርቶን ፈልስን ምትካል

መጀመርታ ነቲ ሽጉርቶ ወይ ዓካር (ኣብ ኩሉ’ዚ ዓንቀጽ ሽጉርቶ ዝብል ቃል ክንጥቀም ኢና) ክትተክሎ ምስ ደልካ፡ ኣፍኩስ ኣቢልካ ሓመድ ኩዓተሉ። ቅድሚ ምትካልካ ነቲ ሽጉርቶ ካብቲ ናይ ወረቀት ከረጺት ኣዉጽኣዮ። ጽቡቅ ጌርካ ጉድጓድ ብሙኩዓት (ኣብ ሰንጠረጅ ተመልከት) ገጹ ንላዕሊ ከም ዝጥምት ገርካ ነቲ ፈልሲ ትከሎ። ገለ ፈልሲ ንላዕሊ ገጾም እንተ ዘይጠሚቶም ስለ ዘይበቁሉ፡ ቁኑዕ ጌርካ ትከሎም። ቁኑዕ ኣገባብ ብምክታል ተከናከኖ!

እንድሕር ቱሊፕ ኣብ ክረምቲ ምስ ኣተወ ተኪልካዮም (ምናልባሽ ኣብ ዝኮነ ክትዕቅቦም ስለ ዘይትክእል ወይ ኣብ ዕረፍቲ ንመገሻ ክትከይድ ስለ ትክእል) ቡዙሕ ማይ ምስታይ ኣየድልዮን እዩ። እቲ ሽጉርቶ ኣዕሪፉ ስለ ዝጸንሕ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቀዉዒ ብዝወቅዕ ዝናብ ክበቁል ክጅምር እዩ።

ኮምኡ ነዊሕ ግዜ ንክበቁሉ ዝወስዱ ሽጉርቶ ኣዕሚቅና ክንዘርኦም የብልናን። ክሳዕ ክንደይ ኣዕሙቅና ከም ትዘርኦም ክንፈልጥ እንተደሊኻ፡ ርሕቀት ኣብ ሞንጎ መረትን ላዕለዋይ ጫፍ ናይ ሽጉርቶ ዓቅኖ!

እንድሕር ላዕለዋይ ክፋል (ካብ መረት ንላዕሊ) ናይ ሽጉርቶ ነቂጹ ነቲ ሽጉርቶ ምሓዎ (ብጀካ ንሴፋዊ ሹሻን ናይ ኩሎም ሽጉርቶ ሕጊ እዩ)። እዚ ኣብ ኤውሮጳ (ኣብ ዉዑይ ወይ ዱሩቕ ኩነታት ኣየር) ካብ ጉንበት ጀሚሩ መስርሕ እዩ። እቶም ቀንዲ ካብ መሬት ምስተማሕዉ (ክሳዕ ዝደርቁ) ክሳብ ቀዉዒ (ከም ሹጉርቲ ቀይሕ፡ ሹጉርቲ ጻዕዳ፡ ሳፍሮን፡ ቲሊፕ) ይዕቀቡ።

ዝተረፉ ዓይነት ንኣብነት፦ ሹሻን፣ ግራፐ ሀያሲንት (Muscari) ፡ ኦርኒቶጋሉም ከምኡ ሶልሞናው ሲል (Polygonatum) ግና ክሰሩ ስለ ዘይክእሉ ብከምዚ ኣገባብ ጌርካ ኣይዕቀብን እዩም። እዞም ኣብ ዱሩቅ ቦታ ክዕቀቡ ዘይክእሉ ግን፡ ካብ ሓደ ቦታ ናይ ጀርዲን ኣብ ካልእ ቦታ ክትከሉ ይክእሉ እዮም (ንከባቢ ሓደ ሰሙን ጥራይ እዮም ዝጸንሑ፡ ልዕሊኡ ክጸንሑ ኣይተባባዕን እዩ)።

ጅር ናይ ምትካል ወቅቲ ዝትከለሉ ዕሙቀት ብሰንቲ መትሮ
ንኣሽቱ ዓይነት ዓቀን ናይ ሽጉርቶ 2 ሰንቲ መትሮ ከም Allium carinatum, flavum, molly, oleraceum, scorodoprasum 7.-10. 5–8
ዓበይቲ ዓይነት ሽጉርቶ 10 ሰንቲ ሜትሮ ዝዓቀኖም ከም Allium giganteum, karataviense, nigrum 7.-10. 10–15
Colchicum – ኣብ ቀዉዒ ዝዕንብቡ ጅራት 8. 15
Crocus – ኣብ ጽድያ ዝዕንብቡ ጅራት (Crocus chrysanthus, Crocus vernus) 10. 9
Crocus – ኣብ ቀዉዒ ዝዕንብቡ ጅራት (Crocus sativius) (7.-) 8. 9
ሴፋዊ ሹሻን (ንይጅርዲን ድቃላ) 4.-5. 10 (ካብ 5 ዝንእስ)
ሴፋዊ ሹሻን (ናይ በረካ ጂር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመበቆሉ) 9. 5–8
Lilium candidum – ጻዕዳ ሹሻን ውይ ማርያም ሹሻን 8. 3
ሹሻን-ናይ ጀርጂን ድቃላ 9. (-10.) 5–15 ኣብ ዓይነቱ ዝሙርከስ
Muscari – grape hyacinth 7.-10. 8–10
Narcissus – narcis 8. 10
Ornithogalum umbellatum – ኮኮብ ቤተሊሄም ሳዕሪ ሹሻን 7.-10. 10
Polygonatum – salomons seal 8.10., 2.-3. 10
ቱሊፓት ምስ ንኣሽቱ ሽጉርቶ ከም Tulipa chrysantha, tarda, saxatillis, turkestanica, urumiensis 10. 10
ቱሊፕ ምስ ዓበይቲ ሽጉርቶ ከም – Tulipa greigii, Tulipa fosteriana, Tulipa kaufmanniana and ናይ ጀርዲን ድቃላታት 10. 12–14

ምድቃል ሹሻን ብደረጃ

ስእሊ

ምድቃል ሹሻን ብደረጃ

ሹሻን ብደረጃ ክራብሓሉ ዝክእል (ቀጸላ ሽጉርቶ) ዝቀለለ ኣገባብ

ነቲ ደረጃታት ኣብ ካብ 1–2 ሰንቲ መትሮ ዝዕምቆቱ ነግሒ (= ዑሙቀት ናይ እቲ ነቲ ደረጃ ዝሽፈነሉ ሓመድ) ጌርካ ምስ ሸፈንካዮ፡ ኣብ ናይ መዓልቲ ሙቆት ካብ 25–30 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ፡ ናይ ለይቲ ከባቢ 22 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ (ናይ ለይቲ ሙቆት ዋላ ይዉሓድ ኣየገድስን እዩ፡ ኣገዳሲ ነገር ናይ መዓልቲ ሙቆት እዩ) ንኣብነት፦ ከብሒ፡ ቀጠልያ ገዛ፡ ኣፍደገ ናይ ገዛ ፍኒስትራ ዋላይኩን። እቲ ሓመድ ድሩቅ ይኩን፡ ብከምዚ ኣገባብ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ እቲ ደረጃታት ሓደሽቲ ቡቃልያ ከዉጽእ እዩ። ካብ 1–3 ወርሒ፡ 2–3 ቡቅሊ ከባቢ 1 ሰንቲ መትሮ ዝቁመቱ ኣብዚ ደረጃታት ይበቁል! እንድሕር ብምቅራፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ሓምለ ተኪልካዮም፡ ነዚ ቡቅሊ ኣብ መስከረም ካብ መሬት ብምዉጻእ፡ ኣብ ክልተ ሰንቲ ሜትሮ ዝዕምቆቱ፡ ጀርዲን ዝርኣዮ፡ ነፍስ-ወከፍ ቡቅሊ ፈላሊካ ዝርኣዮ። ኣብ ሞንጎ ነፍስ-ወከፍ ቡቅሊ 4 ሰንቲ ሜትሮ ጋግ ፍጠር። ኣብ ዊሽጢ 4–6 ዓመት፡ ቡሉጽ ዝኮነ ሽጉርቶ፡ ዕንባባ ዝመልኦ ክትረክብ ኢካ!

ዘርኢ ሽጉርቶ ምዝራእ

ገል ሽጉርቶ ብጽፉፍን ብቁልጡፍን ብዘርኦም ክበቅሉ ይክእሉ እዮም። እቲ ዝበለጸ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ ዘርኢ ዝዝርኣሉ ካብ 0.5–1 ሰንቲ መትሮ ዑሙቀት ካብ መጋቢት ክሳዕ ሚያዝያ እዩ። ኣብ መጀመርታ ዓመት ኣይትዝርኣዮ ኣብቲ ዘለዉዎ ቦታ ግደፎ። ገለ ዓይነት ኣብ ዝመጽእ ወቅቲ ክዕንብቡ ይክእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ዓይነት ግና ካብ ዝዝርኡ ድሕሪ 2–5 ዓመት እዮም ዝዕንብቡ። እቶም ንኣሽቱ ዓይነት ካብቶም ዓበይቲ ዓይነት ምስ ዓቢ ሽጉርቶ ቀልጢፎም ይዕንብቡ።

««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ከመይ ጌርካ ንፍሳ(ሕንዚዝ) ባልዶንጓ ተጥፍኦ ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ናይ ቻይና ቆጽሊ ሻሂ ናይ ገዛእ ርእስካ ቆጽሊ ሻሂ ምፍራይ! »»»

ሰሉስ 26.12.2023 18:42 | ሕተም | መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ

ብዛዕባ KPR

Logo of KPR - ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ስሎቫኪያ
KPR- ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ዓለም-ለካዊ ዉድብ መዕበይቲ ኣትክልቲ እዩ። ንዝያዳ ንባብ…
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።

ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)