Botanix – መጺሄት ብዛዕባ ኣትክልቲ

Botanix ትግርኛ

ናይ ቻይና ቆጽሊ ሻሂ ናይ ገዛእ ርእስካ ቆጽሊ ሻሂ ምፍራይ!

ስእሊ

ኩሉ ኣፍራዪ ቅድሚ ሓጋይ ምዉዳእ እዩ ንዝመጽእ ወቅቲ እንታይ ከም ዘፍሪ ዝሓስብ። ኮሚደረ (ጸብሒ ኣቡን)፣ በርበረ፣ ኩኩምበር (ቺትርዮለ) ምፍራይ ቀሊል ኮይኑዶ ረኪብካዮ? ካልእ ክተፍሪ ዶ ትደሊ? ካልእ ኣብ ከባቢካ ዘይርከብ (ባዕዳዊ)? ኣብዚ ዓመት ቆጽሊ ሻሂ ክተፊሪ ከመይ ይመስለካ?!

ንቆጽሊ ሻሂ (Camellia) 50 ጅር ወትሩ ሓምላይ ናይ ትሮፒካዊን ሓዉሲ ትሮፒካዊን ቆጥቃጥን ናሽቱ ኣግራብን ኣለዉዎ። ካብ እዚኣቶም እቲ ኣዝዩ ጉኑን ዝኮነ ናይ ቻይና ቆጽሊ ሻሂ (Camellia sinensis) እዩ። እዚ ጥንታዊ ተክሊ ኣብ መበቆሉ ካብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅ ቻይናን ኮምኡዉን ጎረባብቲ ሃገራት ከም ሂንዲ፣ ባርማ፣ ቬትናምን ሉስ ንዘመናት ፈርዩ እዩ። ዋላ እካ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ትሮፒካዊ ዝቦቁል እንተኮነ፦ እቶም ቀንዲ ዕዉታት ኣፍረይቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቻይና፣ ሂንዲ፣ ሲሪላንካ ጃፓን እዮም ዝርከቡ።

ባዕልካ ቆጽሊ ሻሂ ምፍራይ ክሳዕ ኪንደዚ ከቢድ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ መስርሕ ሓዲሽ ዝኮነ ዘርኢ ምዕዳግ እዩ። እዚ ድማ ዘርኢ ቀልጢፉ ብቅዓቱ ስለ ዘጥፍእ እዩ። እቲ ዘርኢ ከቢብ ኮይኑ፦ ቅድሚ ምዝራእካ ከባቢ 2–3 መዓልቲ ክእለክ ኣለዎ። ድሕርዚ ኣብ ብጉቡእ ዝተዳለወ ከምኡ እዉን፦ ኣየር ብቀሊሉ ዘሕልፍ መረት ይትከል። እቲ ዘርኢ ካብ 20– 25 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ሙቆት ኣብ ዘለዎ፦ ኣብ ዉሽጢ 2–4 ሰሙን ይቦቁል። ኣብ ጸሓይ ዝዓብለሎ ቦታ እንተ ተተኪሉ ቀልጢፉ ብምብቃል ኣብ ዉሽጥ 6 ወርሒ ኪቅምቀም ይክእል። ነቲ ቁኑዕ ኣገባብ ኣቀማቅማ ይመስገን፦ ጹቡቅን ቡሉጽን ዝኮነ ብምርካብ ንመፍረዪ ተክሊካ ዝከዉን ንጥረ ነገር ክተዳሉ ትክእል ኢካ።

ኣብ ትሮፒካዊ ወይ ሓዉሲ ቲሮፒካዊ ቦታ ቆጽሊ ሻሂ ኣብ ጀርዲን ክተብቁሎ እካ ትክእል እንተ ኮንካ፦ ኣብ ኣስሓይታ ዘለዎ ቦታ ትቅመጥ እንተ ኮንካ ግና ኣብ ሓምላይ ገዛ ከተቀምጦ ኣሎካ። እቲ ምቹእ ዝኮነ ኩነታት ልክዕ ከም ናይ ሞበቆል ሃገሩ ዉዑይ ክረምትን እኩል ማይን እዩ።

ኣብ ትሮፒካዊ ቦታ ዘይትቅመጥ እንትኮንካ ግና፦ ዋላእካ ከም ናይ ትሮፒካዊ ዝዕግብ ቡሉጽ ምህርቲ ቆጽሊ ሻሂ ተዘይ ሓፊስካ፦ ፍረ ጻማካ ዓቢ ዝኮነ ቡሉጽ ጻዕዳ ዕንበባ ምስሃበካ ክትሕጎስ ኢካ።

ንኣብ ሓጋይ ቀዝሒ ዘለዎ ቦታ ዝነብሩ ንተክሊ ቆጽሊ ሻሂ ኣብ ፊንስትራ ከቀምጥዎ ኣሎዎም። ቆጽሊ ሻሂ ክሉ ግዜ ልሙዕ ስለ ዝኮነ ኣብ ሓጋይ እኩል ናይ ጸሓይ ብርሃን ከይረክብ ይክእል እዩ። ቆጽሉ ብምንቃጽ ናይ ምርጋፍ ቶክእሎ ኣሎ። እንተኮነ ግን ምስ ምምጻእ ጽድያ ቀልጢፉ ብምምሕያሽ እንደገና ሻሂካ ክትሓፍስ ትክእል!

««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ዕንባባ ሽጉርቶ ( ሽጉርቲ መሰል ሱር ዘለዎም ኣትክልቲ) ምትካልን ምፍላስን ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ብኖቮዶር አፍ.ሲ ንኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ምቅላስ »»»

ሰሉስ 26.12.2023 18:45 | ሕተም | ባዕዳዉያን ኣትክልቲ

ብዛዕባ KPR

Logo of KPR - ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ስሎቫኪያ
KPR- ማሕበር መዕበይቲ ኣትክልቲ ዓለም-ለካዊ ዉድብ መዕበይቲ ኣትክልቲ እዩ። ንዝያዳ ንባብ…
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።

ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)