ብኖቮዶር አፍ.ሲ ንኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ምቅላስ
ምስ ኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ (Leptinotarsa decemlineata)፡ ብፍሉይ ምልላይ ዘድሊ ኣይመስለንን። ዳርጋ ኩሉ ነዚ ዓርሞሾሽ ዝኮነ ባልዕ፡ ብዘይ ቀመማዊ መድሃኒት ኪጠፍእ ዘይክእል፡ ንድንሽ ዝሃሲ፡ ይፈልጦ እዩ። እንተኮነ ግን፣ ነዚ ኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ንመቆጻጸሪ ዝጠቅም ስነ-ሂወታዊ ኣገባብ ዚፈልጥ ወልሓደ የለን።
ካበይ ይመጽእ?
ኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ካብ ሰሜን ኣመሪካ’ዩ ናብ ኤውሮጳ መጺኡ። ኣብዚ’ዚ ሕንዚዝ ብዝተወሰነ ዓቀን፡ ቆጽሊ ናይ በረካ ድንሽ እንዳ ተመገበ፡ ኣብ ከባቢ ‘ኮርዲለራ’ ይርከብ። ሰብ ብዝልዓለ ዓቀን ነዚ ዓይነት ድንሽ (ብስነ ኣትክልታዊ ሽሙ: Solanum tuberosum) ኣብ ኣመሪካ ከፍርዮ ምስ ጀመረ፡ ኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ፡ ካብ ናይ በረካ ድንሽ፡ ናብ ናይ ሕርሻታት ድንሽ ተመሓላሊፉ። እዚ ድንሽ ይመስገን! ኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ናብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ።
ኖቮዶር ኤፍ.ሲ-ትሮያዊ ፈረስ ናይ ሳልሳይ መዋእል
ኖቮዶር ኤፍ.ሲ፡ ካብ ባክተርያ Bacillus thuringiensis ssp. tenebroinis፣ 2% ፕሮቲን የጠቃልል። እዚ ባክተርያ፡ ብፉሉይ ንላርቫ፡ ካብ ጃንዳ Galerucinae (ንኣግራብ ከም፦ ገረብ ኣሽ፡ ገረብ ኣልደር፡ ገረብ ዊለው) ከምኡ’ዉን ኮሎራዶ ሕንዚዚ ድንሽ ከጥፍኡ ይቀዳደም።
እዚ መድሃኒት ነዚ ዓይነት ላርቫ ከምዝሓምም ይገብሮ። ንዝተነጽገሉ ቆጽሊ ምስ በልዐ፡ እቲ ላርቫ፡ ምብላዕ ኣቓሪጹ ኣብ ዉሽጢ 2–5 መዓልቲ ይመዉት። ንካልእ ዓይነት ላርቫ ግና መርዛም ኣይኮነን፡ ዝኮነ ቀዋሚ ዕንወት ኣየምጽኣሎምን እዩ። ዋላ ነቲ ኣቁጽልቲ ይኩን፡ ነቲ ሓመድ ጽልዋ ኣየምጽኣሎምን እዩ። እዚ መድሃኒት ነዞም ዓይነት ላርቫ ነኣሽቱ ከለዉ’ዩ ዝቀትሎም፣ ተዘይ ኮይኑ ምስ ዓበዩ ኣይቀትሎምን እዩ። ንንኣሽቱ ላርቫ ጥራይ ክንጥቀመሎም ኣሎና።
እዚ መድሃኒት ዉጺኢታዊ ንክከዉን፡ እቲ ላርቫ ኣከታቲሉ ክበልዖ ኣለዎ። ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ነቲ ቆጽሊ ክትነጽገሉ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝበለጸ ኣብ ንፋስ ዘይብሉ፡ ልዕሊ 15 ድግሪ ሰንቲ ግረድ ሙቆት፡ ክንጸግ ከሎ እዩ። እንድሕር ምስ ተነጽገሉ፡ ኣብ ዉሽጢ 12 ሰዓታት ሃፊፉ፡ እቲ ፈዉሲ ይደገም!
እዚ መድሃኒት፡ ኣብ ንእሽተይ ጥቅላል፡ ኣብ ንእሽተይ ጥርሙዝ፡ 100 ሚሊ ግራም ዝሓዘት፡ 3 ኢሮ ዝዋግኣ ይሽየጥ።
ካልእ ጅር ናይ’ዚ ባክተርያ፦ ላርቫ ናይ ካዉሎ ጽንብላሊዕ (Pieris brassicae)፡ ግዝዋ ኮድሊን (Cydia pomonella) (substance Biobit FC) ከምኡ ጣንጡ የጥፍእ።
ብምጥቅላል እቲ ጽቡቅ ዜና፤ ፍሪኡ ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ ፊሊል ምባሉ ይብላዕ ምካኑ እዩ!
««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ናይ ቻይና ቆጽሊ ሻሂ ናይ ገዛእ ርእስካ ቆጽሊ ሻሂ ምፍራይ! ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ኦይስተር ቃንጥሻ (Pleurotus ostreatus) ምፍራይ »»»
ብዛዕባ KPR
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።
ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)