ኦይስተር ቃንጥሻ (Pleurotus ostreatus) ምፍራይ
ኦይስተር ቃንጥሻ (Pleurotus ostreatus)፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዋላ ካብቶም ልሙዳት ዝኾኑ ቃንጥሽ (ቻምፒግኖን ቃንጥሻ)፡ ሉዑል ተፈላጥነት ኣለዎ! ምስቲ ልሙድ ዝኮነ ቃንጥሻ ብምምዝዛን፡ ኦይስተር ቃንጥሻ ሓደ ዓቢ ዝኾነ ብልጫ ኣለዎ፡ ምስ “ደዝ ካፕ” (Amanita phalloides) መርዛም ፋንጋስ ከዳናግር ኣይክእልን እዩ።
ኦይስተር ቃንጥሻ (Pleurotus ostreatus)፦ ብቪታሚን፣ ኣሚኖ ኣሲድ፣ ከምኡ’ውን ማዕድን ሃብታም እዩ። ንኣካላት፡ ካብ ጽልዋ መርዛማት ነገራት ይከላኸለሉ። ትሕዝቶ ካለስትሮል ኣብ ደም የጉድል። ውሑድ ዓቐን ጸዓት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ኣመጋግባና ኣገዳሲ እዩ። ካብ ካንሰር ዘስዕቡ ነገራት ናይ ምክልኻል ጸልዋ ዘለዎም ንጥረ ነገር ኣለዎ ተባሂሉ ይእመን እዩ።
መምርሒ ኣተዓባብያ ኦይስተር ቃንጥሻ (Pleurotus ostreatus)
ኦይስተር ቃንጥሻ ብክልተ ኣገባብ ክካየድ ይክእል፤ ኣብ ሓሰር ዘለዎ ናይ ፕላስቲክ ከረጺት ወይ ድማ ኣብ ዕንጨይቲ ናይ ጉንዲ ብምትካል።
ኣብ ሓሰር ዘለዎ ናይ ፕላስቲክ ከረጺት ምትካል
መጀመርታ ሓሰር ክዳሎ ኣለዎ። ካብ ባክተርያ፡ ስያሐ ሰበባ፡ ከምኡዉን ካብ ካልኦት ፋንጋስ ንምክልኻል፡ ክመክን ኣለዎ። ብክልተ ኣገባብ ክመክን ይክእል።
- ነቲ ሓሰር ኣብ ዓቢ ዕትሮ ( በራድ ወይ ኣረጊት ባዴላ) ብምቕማጥ፡ ክሳዕ ኣፉ ማይ ብምምላእ፡ ነቲ ሓሰር ሸፍኖ። ክሳዕ 100ዲ.ሰ ዝበጽሕ ብምውዓይ፡ ክሳዕ ካብ 20–25ዲ.ሰ ዝበጽሕ ኣዝሕሎ።
- እቲ ዝቀለለ ካልኣይ መንገዲ ድማ፡ ነቲ ሓሰር ኣብ ዓቢ ዕትሮ ብምእታው፡ ፍሉሕ ማይ ኣፍስሰሉ። ካብ 20–25ዲ.ሰ ነቲ ሓሰር ብምዝሓል ክትጥቀመሉ ትክእል ኢካ።
ድሕሪ’ዚ ነቲ ሓሰርን ናይቲ ቃንጥሻን ማይሰሊምን ኣብ ዓቢ ፕላስቲክ በብመስመሩ፦ ናይ ሓሰር ቀጸላ፡ ናይ ማይሰሊም ቀጸላ፡ ናይ ሓሰር ቀጸላ፡ ናይ ማይሰሊም ቀጸላ፡ እንዳገበርካ ስርዓዮም። ንካብ 15–20 ጡሉል ሓሰር፡ ሓደ ከረጺት ሓሰር (ኣብ 50ብ 100ሰ.ሜ ዝዓቀኑ ቦርሳ ክተሓዝ ዝክእል) እኩል እዩ። እቲ ቦርሳ ምስ መልአ፡ ነቲ ቦርሳ ብምቁጻር፡ 10 ነዃላት፡ ነቭሲ ወኸፎም ካብ 3–5ሰ.ሜ ዝዓቀኑ፡ ኣንኹለሉ።
እንድሕር ኦይስተር ቃንጥሻ፡ ኣብ ትሑት ናይ ኣየር ጠሊ ዘለዎ ኣከባቢ፡ ተብቑል ዂንካ፡ ውሑድ ነዃላት ግበረሉ (እንተደሊኻ ጸኒሕካ ክትውስኸሉ ትክእል ኢኻ)፣ ምክንያቱ ካብ ምድራቅ ንምክልኻል። ምስ ዘራእኻዮ፡ ናይ ብርሃን ጩራ ከይረክቦ፡ ኣብ ሓዉሲ ጽላል ኣቀምጦ።
ኦይስተር ቃንጥሻ፡ ኣብ 15–25 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ፡ ከም ዝቦቁል’ዩ ዝግመት። ሙቆት እንዳወሰከ ክከይድ ከሎ፡ ዕቤት ናይ ኦይስተር ቃንጥሻ ድማ፡ እንዳ ተቀላጠፈ ይከይድ (ዋላ እኻ ምዉሳክ ሙቆት ንሓሰር የድርቆ ኣንተኾን)።
ስለዚ ድማ’ዩ፡ ንኦይስተር ቃንጥሻ ዘድሊ ትክክለኛ ሙቆት ክንጥቀም ዘሎና። እንድሕር ኦይስተር ቃንጥሻ፡ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ፋንጋስ ፈጢሩ፡ ኣብ ዝሑል ቦታ ይቀመጥ። ዝያዳ ፋንጋስ እንተተደልዩ፡ ኣብ ምዉቅ ቦታ ኣቀምጦ። ደሕሪ 3–4 ወርሒ ኦይስተር ቃንጥሻ፡ ቃንጥሻ ከፍርይ እዩ። እንድሕር ኣብቲ ቦርሳ ዘሎ መኣዛታት ክዉድእ ደልዩ፡ ሓድሽ መራብሒ ድማ ክዳሎ እንተተደልዩ (ነቲ ዝነብረ ሓሰር ክንጥቀም ትክእል ኢካ)፡ ካብ ሓደ ቦርሳ፡ ካብ 2–4 ኪሎ ግራም ኦይስተር ቃንጥሻ ይርከብ።
ኣብ ዕንጨይቲ ናይ ጉንዲ ምትካል
ብተፈጥሮ ኦይስተር ቃንጥሻ ኣብ ቆጽሊ ናይ ኣትክልቲ’ዩ ዝፈሪ። ስለዚ’ዩ ከኣ፡ ኣብ ካብ 30–80 ሰንቲ መትሮ ዕንጨይቲ ክተብቅሎ ትክእል። ጉንዲ ናይ መብዛሕትኦም ቆጻላት ጅር (ብጀካ ሲጋ በለዕ) ክትጥቀም ትክእል ኢካ። እቲ ጉንዲ፡ ካብ 6 ወርሒ ኪዓቢ የብሉን። ዝተፈላለየ መንገዲ ኣተዓባብያ ኦይስተር ቃንጥሻ ኣብ ዕንጨይቲ ኣሎ። ኣብቲ ዕንጨይቲ ዘለዉ ፋንጋስ ምእንቲ ኪዓቢዩ ኦይስተር ቃንጥሻ ምሰቲ ዕንጨይቲ ብቀጥታ ክላገብ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ማይሰሊም ዘልዎ ኣጉናድ ኣብ ጽላል ኣብ 1/3 ሓመድ ኣብ ጀርዲንካ ኣእትዎ። ምእንቲ ከይነቅጽ ማይ ኣጠልቅዮ። ከከም ትሕዝቶ መኣዛታቱ ኣብ ዝስዕብ ካብ 2–5 ዓመት (ኣብ መኣዛዊ ንጥረ ነገር ናይ እቲ ጉንዲ እዩ ዝምርኮስ) ቃንጥሻ ከፍርይ እዩ።
««« ዝሓለፈ ዓንቀጽ፤: ብኖቮዶር አፍ.ሲ ንኮሎራዶ ሕንዚዝ ድንሽ ምቅላስ ዝስዕብ ዓንቀጽ፤: ህንዳዊ ሹሻን ማይ (Nelumbo nucifera) »»»
ብዛዕባ KPR
ብዛዕባ ኣታዓባብያ ኣትክልቲ ዘለካ ተመክሮ ኣካፍል። ዓንቀጻት ብዛዕባ ጀርዲን፡ ኣትክልቲ፡ ኣትክልቲ ምዕባይ ካልእን ጽሓፍ። ከምኡ እዉን ኣብቲ ናይ ቋንቋካ ክፋል ናይ መጺሄትና Botanix ኣሕትሞ! ንዝያዳ ሓበሬታ ተራከቡና።
ትሕዝቶ፤ ኩሉ መምርሒ ኣተዓባብያ ኣትክልቲ ማይን ማያዉያን ኣትክልትን ሳዕሪ ስየታት ቃንጥሻታት ባልዓት ባዕዳዉያን ኣትክልቲ ዲፍራን (ኮኖኣዊ ዝፍሪኦም ኣግራብ)